Daniel GE
Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Daniel GE, Journalist, Mekelle.
11/07/2026
https://youtu.be/8i4uSfbrj30?si=G1HDszgPlNlevaKf
"መንግስቲ ኣብይ ኣብ መንገዲ ቁልቁለት" | ሓ/ፕሮፌሰር ኣብረሃ ተኹሉ Subscribe For More: 🤝 Support the Channel: Become...
10/07/2026
https://youtu.be/wx4W7WI2h5E?si=KLTzMFdsp7c-RIm_
ኢትዮጵያ ንመረብ ንጥፍኣት ትግራይ ኣብ ዝደለየት ክትከፍቶን ክትዓፆዎን ኣይግባእን | ኣብረሃ ካሕሳይ Subscribe For More: 🤝 Support the Channel: Become...
ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ ርኢቶ መውሃቢ ብዘሎ መላግብ ክትረኽብዎ ትኽእሉ 👇👇
"ትግራይ ደጊማ ናይ ኲናት ሜዳ ከይትኸውን "ከም ዝሰርሕ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)ገሊፁ።
እዚ ዝገለፀ ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣብ ዝተኻየደ ርኽኽብ ስልጣን እዩ።
ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ብምዃን ስልጣን ዝተረከበ ገብረተንሳይ ወልደሚካኤል፤ ትግራይ ደጊማ ናይ ኲናት ሜዳ ከይትኸውን ከምዝስራሕ ሓቢሩ።
እቲ ኣቦወንበር ፡ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ውዳበታትን ማሕበረሰብ ዲፕሎማስን ብምዃን ነቶም ኲናት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሓይልታት ፀቕጢ ኣብ ምፍጣር ከምዝስራሕ ገሊፁ።
07/07/2026
"ትግራይ ደጊማ ናይ ኲናት ሜዳ ከይትኸውን "ከም ዝሰርሕ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)ገሊፁ።
እዚ ዝተገለፀ ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣብ ዝተኻየደ ርኽኽብ ስልጣን እዩ።
ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ብምዃን ስልጣን ዝተረከበ ገብረተንሳይ ወልደሚካኤል፤ ትግራይ ደጊማ ናይ ኲናት ሜዳ ከይትኸውን ከምዝስራሕ ኣመላኺቱ።
እቲ ኣቦወንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ውዳበታትን ማሕበረሰብ ዲፕሎማስን ብምዃን ነቶም ኲናት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሓይልታት ፀቕጢ ኣብ ምፍጣር ከምዝስራሕ ገሊፁ።
ትግራይ ኣብ ሰላም ከምትርባሕ ዝገለፀ ገብረተንሳይ ወልደሚካኤል ፤ እዚ ማለት ግን ኣብ ትግራይ ናብ ኲናት ዘእቱ ምኽንያት የለን ማለትና ኣይክነን ብምባል መሬትና ተወሪሩ፣ ተመዛበልትና ይሳቐዩን ይሞቱን ኣለው ዝበለ እንትኾን ልዕሊ እዚ ዋጋ ከይንኸፍል ብሰላማዊ መንገዲ ዘይተሞከረ ቃልሲ ንኽንምስርት ብሓድነትን ምርድዳእን ተጋሩ ብንፈጥሮ ዓቕሚ መሬትና ክነምልስ ንኽእል ኢና ኢሉ።
ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘላ ዝገለፀ ብፍቃዱ ካብ ኣቦወንበርነት እቲ ውድብ ዝወረደ ክንፈ ሓዱሽ ኣብ ትግራይ ይረኣ ዘሎ ግፋ ብህፁፅ ደው ክብል ፀዊዑ።
ክንፈ ሓዱሽ ግፋ ደው ንኽብል ዲያስፓራ ትግራይ፣መራሕቲ ሃይማኖት ፣ፓለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ድምፆም ከስምዑ እውን ኣመላኺቱ።
ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር
ኣቦወንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ገብረተንሳይ ወልደሚካኤል ፤ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ውዳበታትን ማሕበረሰብ ዲፕሎማስን ብምዃን ነቶም ኲናት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሓይልታት ፀቕጢ ኣብ ምፍጣር ከምዝስራሕ ገሊፁ።
መግለፂ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)ኣብ እዋናዊ ኩነታት
06/07/2026
“ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፋ ብህጹጽ ደው ይበል!”
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ትግራይ ብምግዳድ ዝካየድ ዘሎ ውትድርና “ገበንን ናይ ሽፍታ ስራሕን እዩ” ክብል ብትሪ ኾኒንዎ።
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ👇👇👇
መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ግፋ ዝኸፈአ ገበን እዩ፡ ብህፁፅ ደው ይበል!
ንመናእሰይ ትግራይ ኣገዲድካ ዝግበር ዘሎ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና፡ ገበንን ስራሕን ሽፍታ ካብ ምኳኑ ብተወሳኺ፡ ዘብፅሖ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላውን ምብትታንን ንምልኣተ ህዝብና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣጥሒልዎ ይርከብ።
ህዝብን መንእሰይን ትግራይ ምእንተ ክብሪ ብሄሩን መንነቱን ክባር ዋጋ እናኸፈለን እናተቓለሰን ዝመፀ እኳ እንተኾነ፡ ፀረ ብሄረ ትግራይ ዝኾነ ፖለቲካ ሰበ ህወሓት ነዚ ኸቢድ ዋጋ ብምክሓድ ትግራይን ህዝባን ናብቲ ሐዚ ኣትይናዮ ዘለና ድልሃመት ከምዘሳጠሐና ድማ ይፍለጥ።
ኣይኾነን ብዓፈናን ብምግዳድን ዝግበር ኹናት ብፍቓድ ዝግበር ኲናት እውን ፖለቲካዊ ዕንዝርና ሰበ ህወሓት እናመረሖ ክንደይ መዓትን ጥፍኣትን ንትግራይ ከምዘምፀአ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብባህሪኡ ኹናት ኣዕናዊ እንትኸውን፡ ንብሄሩ ሓልዮት ብዘይብሉ፣ ብምዕፋንን ምግዳድን መናእሰይ ዝግበር ኹናት ድማ እንትርፊ ብሄረ ክሳብ ምብታን ዝበፅሕ መዓት ኻሊእ ጥር ትብል ረብሓ ከምዘየምፅእ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን።
ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ኲናት ደው ክብል ኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ደው ኢሎም ክሓስቡን ኣፈላላያት ኣብ ጠረጴዛን ብሰላማዊ መገዲን ክፈትሑ ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ብሰበ ህወሓት ይፍፀም ዘሎ ገበንን ጭካነን ግፋ ብቕልጡፍ ደው ክብል ድማ የተሓሳስብ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
29 ሰነ 2018
ትግራይ፡መቐለ
06/07/2026
ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ታሪኻዊ ቅጥፈት ብሓድነት ክንምክቶ ይግባእ — ፅላል ስቪል ማሕበረሰብ
===&&===
መንግስቲ ፌደራል ነቲ ብሓይሊ ዝተትሓዘ መሬት ምዕራብ ትግራይ ሕጋዊ መዋቕር ንምትሓዝ ዝገብሮ ዘሎ ተንኮላዊ ምንቅስቓስ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዳግማይ መዋቕራዊ ወራርን ዓይኑ ዘውፀአ ታሪኻዊ ቅጥፈት ብምዃኑ ከምዝኹንኖ ፅላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ገሊፁ።
ፅላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዘመላኽቶ ብሓደ ገፅ "ሰላም ኢና ንደሊ" እናበልካ ብካልእ ገፅ ግን ብደገፍ ፌደራል መንግስትን ካልኦት መዋቕራትን ነቲ ዘይሕጋዊ ወራር ሕጋዊ ሽፋን ንምሃብ ዝካየድ ዘሎ ተግባር፡ ሰላም ዝዘርግን ጠቕሊሉ ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘምርሕን ንህዝብና ዳግም ናብ ኲናት ዝደፋፍእ ቅሉዕ ተፃብኦን ምዃኑ ኣመላኺቱ።
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ 👇👇👇
ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዝቐፀለ ስሩዕ ወራርን ሕጋውነት ናይ ምልባስ ሽርሕን ኣመልኪቱ ብፅላል-ሲማምት ዝተወሃበ መግለፂ
ፌደራል መንግስቲ ነቲ ብሓይሊ ዝተትሕዘ መሬት ምዕራብ ትግራይ ሕጋዊ መዋቕር ንምትሓዝ ዝገብሮ ዘሎ ተንኮላዊ ምንቅስቓስ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዳግማይ መዋቕራዊ ወራርን ዓይኑ ዘውፀአ ታሪኻዊ ቅጥፈትን ብምዃኑ ትካልና ብፅኑዕ ይኹንኖ።
እዚ ብሓደ ገፅ "ሰላም ኢና ንደሊ" እናበልካ ብካልእ ገፅ ግን ብደገፍ ፌደራል መንግስትን ካልኦት መዋቕራትን ነቲ ዘይሕጋዊ ወራር ሕጋዊ ሽፋን ንምሃብ ዝካየድ ዘሎ ተግባር፡ ሰላም ዝዘርግን ጠቕሊሉ ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘምርሕን ንህዝብና ዳግም ናብ ኲናት ዝደፋፍእ ቅሉዕ ተፃብኦን ብምዃኑ፦ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ሽርሒ ብትኹረት ብምክትታል ቅዋም ህዝቢ ትግራይ ዘንፀባርቕ ህፁፅ መግለፅን መብርህን ክህበሉ፤ ፌደራል መንግስቲ ካብዚ ዝኾነ ይኹን ሕጋውን ሞራላውን መሰረት ዘይብሉ ተፃባኢ ስጉምቲ ተዓቂቡ፡ ሰላም ብተግባር ንምርግጋፅ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ዝምለሰሉን ኢሉ እውን ኣብ ኢድ ፀላኢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ዝወፀሉ ባይታ ከመቻቹ ይግባእ።
ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ስቪክ ማሕበራት፣ ዲያስፖራን መላእ ህዝቢ ትግራይን ኢሉ እውን ደላዪ ፍትሒ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዝኾነ ኹሉ ፤ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ንላዕሊ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ተገንዚቦም፣ ነቲ ዝተኣልመ ሽርሒ ንምፍሻል ብሓድነት ክቃለሱን ድምፂ ብምዃን ግቡኦም ክዋፅኡን ትካልና ብትሪ ይፅውዕ።
"መንነታዊ ጎነፅ ብሃገርነት ምምስራት መፍትሒ ክረክብ እዩ"ዶ/ር ገብረመድህን ሮምሃ