IPN World
Educational, Entertainment, Presentation, comedy, pedestrian Question. Promoting tourism and culture t.me/@IPN_World
09/21/2026
እዋናዊ ዜና! ትግራይ ተሌቪዥን ተኣግዱ!
በዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቴሌቪዥን ንዘይተወሰነ ግዜ እገዳ ኣንቢሩ።
በዓል መዚ መራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጣብያ ትግራይ ቴሌቪዥን (Tigray TV) ናይ ስራሕ እገዳ ከምዘሕለፈ ኣፍሊጡ።
ትግራይ ቴሌቪዥን ስነ-ምግባር ሞያ ብምጥሓስ፤ ድሕንነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዝውድቑ፣ ናብ ግጭት ዝደፋፍኡን ጽንፈኝነት ዘተባብዑን መልእኽትታት ብተኸታታሊ ብምምሕልላፉ እዩ።
እቲ በዓል መዚ ብሕጊ ዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት ብምግባር፣ ካብ 11 መስከረም 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ጣብያ ንዘይተወሰነ ግዜ እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ።
ዝኾነ ይኹን ካልእ ሚድያ (ዲጂታል፣ ብሮድካስት ወይ ሕትመት) ንትግራይ ቴሌቪዥን ከም ፍልፍል ሓበሬታ ክጥቀመሉ ወይ ትሕዝቶታቱ ከቃልሕ ብጥብቂ ዝተኸልከለ ኮይኑ፤ ነዚ ዝጥሕስ ሚድያ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ከምዝውሰደሉ ተተሓሳሲቡ።
09/21/2026
ሰናይ ዜና!
ኣብ ስደት ዝነበሩ ናብ ሃገሮም ተምልሶም!
ኣብ ስዕዲ ዓረብ ኣብ ከብድ ፀገም ዝነበሩ 1592 ኢትዮጵያዊያን ሎሚ 11/1/2019 ዓ,ም ናብ ሃገሮም ተምልሶም ኣለው።
ሕቶ፡ ሮዛ ከምቲ ዝተዛረበቶ እቶም ጳጳስ ቃል ኣትዮምለይ ነይሮም " 5 ሚልዮን ቅርሽን ገዛ ክገዙኡለይን" ትብል። ኾይኑ ግና ቃሎም ኣይፈፀሙን ትብል። ንሳ ተቅርቦ ምኽኒት "ብተደጋጋሚ እንዳፀውዑ ስለዘሸግሩኒ ፤ ቤተ-ክርስትያን ክትድሕን ስለዘለዋ፤ ብዙሓት ከማይ ኣለዋ" እያ ትብል። ገዛ ተገዚኡላ፤ 5 ሚልዮን ተዋሂቡዋ እንተዝኾንኸ ነዚ ቪድዮ ምገደፈቶ'ዶ? ምናልባት ሮዛ ተዳልያ ቪድዮ ዝቀረፀትሉ ምክንያት ንምንታይ እዩ ትብሉ?
09/21/2026
ሮዛ ንኹሉ ህዝበ ክርስትያንን ህዝቢ ትግራይን ይቕረታ ሓቲታ !!
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዘጋጠመ ፍጻመ እትፍለጥ ሮዛ፡ ንኹሉ ህዝበ ክርስትያን፣ ንኹሉ ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኣኽሱምን ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲታ ኣላ።
ሮዛ ኣብ ዝሃበቶ መሕትት፤ " ። ምስ ዘይምልከተኒ ሰብ ርክብ ገይረ እየ። በዚ ይቕረታ ክሓትት ይደሊ። ዋላ ንኹሉ ህዝቢ ትግራይ ዋላ ገገዝኡ እናኸድኩ ይቕረታ ክሓቶ ይኽእል እየ" ክትብል ጌጋኣ ኣሚና ይቕረታ ሓቲታ።
ብዛዕባ እቲ ዝተቐረጸ ቪድዮ ክትገልጽ ከላ ድማ፡ "ብዛዕባ ቪድዮ ምቕራጸይ ግን ክሳብ ክንድዚ ቫይራል ዝወጽእ ኣይመሰለንን ነይሩ። እቲ ቪድዮ ንመንበረ ሰላማ ሂበ፡ እዞም ሰብኣይ ካብቲ መንበረ ሰላማ ክባረሩን ቤተ ክርስትያን ክትነጽህን ኢለ መጀመርያ ነቲ ቪድዮ ንጳጳሳት እየ ሂበዮ" ኢላ።
ብተወሳኺ ንዝቐረበላ ናይ ገንዘብን ንብረትን ፈተና ብዝምልከት፡ "ኣነ ንውልቀይ እንተትሓስብ 5,000,000 ብርን ገዛን ክፍርመልኪ ቪድዮ ኣጥፍእዮ ተባሂለ ነይረ እየ። ንሱ ተቐቢለ ንውልቀይ ኩሉ ሓቢአ ምንባር ይኽእል ነይረ እየ።"
"ግን 5,000,000 ብርን ገዛን ይትረፈኒ፤ ኣነ መስዋእቲ ኮይነ ነተን ከማይ ግፍዒ ዘብጽሑለን ዘለዉ እውን ነጻ ከውጽእ ስለዝደለኹ፣ እቲ ዘሎ ቪድዮ ንመንበረ ሰላማ ሂበዮ። መንበረ ሰላማ ነቶም ሰብኣይ ንከባርርዎምን እታ ቤተ ክርስትያን ንምንጻህን ስለዝደለኹ እየ" ክትብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ብዝርዝር ኣረዲኣ ኣላ።
ፍልፍል፦ CTN
09/21/2026
«ሸውዓተ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ሓዱሽ ጥምረት መስሪቶም!!» ኣልጀዚራ
ሸውዓተ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ንምውጋድ ዝዓለመ ሓዱሽ ጥምረት ከምዝመስረቱ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
እቶም ውድባት ሰንበት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ንኹሉ ዘካተተ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ጥምረት ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህላወ ብኣሕጽሮቱ ጥምረት ንህላወ ዝተባህለ ሓባራዊ ኪዳን ከምዝመስረቱ እውን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ጥምረት ካብ 2023 ኣትሒዙ ምስ ፈደራል ሓይልታት ዝዋጋእ ዘሎ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፣ ከምኡ'ውን ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ኦሮምያ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ የጠቓልል። ብተወሳኺ ግንባር ናጽነት ህዝቢ ኦጋዴን (ኦብነግ)፣ ኣብዮታዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)፣ ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝብታት ቤኒሻንጉልን ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝን ኣካል እቲ ጥምረት ምዃኖም ዕላው ኮይኑ ኣሎ።
መራሕቲ እዞም ጉጅለታት ነዚ ጥምረት ንምምስራት ንኣስታት ሓደ ዓመት ክዘራረቡ ከምዝጸንሑ ሓደ ምስ ፋኖ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንኣልጀዚራ ገሊጹ። ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ጃል መሮ ነዚ ናይ መወዳእታ ውሳነ ቅድሚ ምብጻሖም ሓያሎ እዋናት ከምዝተራኸቡ ከረድእ እንከሎ፡ መራሒ ፋኖ ዘመነ ካሴ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሓንቲ ስዊዘርላንዳዊት ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣንፊቱ ነይሩ።
እቶም ሓይልታት ነቲ መንግስቲ ንሃገር ናብ ምብትታን ዝመርሕ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ብምጽዓን ክኸሱ እንከለዉ፡ ብመሰጋገሪ ቻርተር ዝምራሕ መንግስቲ ጦርነት ንምስዓርን ሃገራዊ ዘተ ንምክያድን ክሰርሕ ምዃኑ ኣረዲኦም። እቲ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ጥምረት ዝሃቦ መብርሂ የለን። ሓደ ኢትዮጵያዊ ናይ ፖለቲካ ተንታኒ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኩሎም እቶም ሓይልታት ካብ መንግስቲ ናይ ህላወ ሓደጋ ከምዘንጸላለዎም ስለዝኣመኑ፡ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝተሞርኮሰ ስምምዕ ከምዝገበሩ ኣፍሊጡ።
ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ
2019 ዘመነ ታይ 🤔🤔
09/20/2026
ካብ ጥምረት ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህላወ (ጥምረት ንህላወ) ዝተዋህበ መግለጺ !!
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ናይ ውልቀ-ሰብ ምልካውን ጃምላዊ ህልቂት ዝፍጽምን ኣገዛዝኣ ብልጽግና ካብ ዝወደቐትሉ እዋን ጀሚሩ ቀንዲ መግለጺኣ፡ ጦርነት፣ ጃምላዊ ህልቂትን ዕንወትን ከምኡ'ውን ፍጹም ድኽነት ኮይኑ ኣሎ። እታ ሃገር ሕግን ስርዓትን ዝፈረሰላ፣ ሚልዮናት ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ዝወደቑላን ዝተመዛበሉላን፣ ንዜጋታታ ዝኸውን ተስፋ ዝጠፍኣላ፣ ዝተፈላለዩ ሃገር ዘጥፍኡ መንግስታዊ ጦርነታት ዝእወጀላ፣ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ዝተጻዕነላን ከም ሃገር ካብ ምውዳቕ (Failed State) ሓሊፋ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ዘንጸላለዋን፤ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባን ኣብ ዓለም ለኻዊ ብርክን ብፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ጉዳያት ናብ ጫፍ ዝተደፍአትን ተሰማዕነታ ዘጥፍአትን ሃገር ኮይና ኣላ።
እቲ ኣገዛዝኣ ኣብ ዝተዛብዐ ትርክትን ጸረ-ህዝቢ ኣብ ዝኾነ መንግስታዊ መዋቕርን ዝቖመ፣ ምስ ምኽንያትን ሓቅን፣ ምስ ማዕርነትን ተሳትፎ ህዝብታትን፣ ምስ ፍትሕን ናጽነትን፣ ምስ ክብርን ህዝብን ሉዓላዊነት ሃገርን ዝተጻልአ ሰላማውን ሃናጽን መንገድታት ዘይክተል ብምዃኑ፤ ነቲ ንሃገርን ህዝብታታን ዝበልዕ ዘሎ ጦርነት ናይ ምግታእ፣ ዘላቒ ሰላም ናይ ምምጻእ፣ መሰልን ናጽነትን ዜጋታት ናይ ምርግጋጽ፣ ሕግን ስርዓትን ናይ ምስፋን፣ መከራን ስቓይን ህዝብታት ከምኡ'ውን ድኽነትን ድሕረትን ናይ ደው ምባል ድሌትን ዓቕምን የብሉን። እዚ ምልካውን ጃምላዊ ህልቂት ዝፍጽምን ኣገዛዝኣ እኩይ ዕላማኡ ንምዕዋት ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ክራይ ብምዃን ጥቕሚ ህዝብታት ብምሻጥ ነታ ሃገር ተላኣኣኺትን ጽግዕተኛን ሃገር ገይርዋ ይርከብ።
ብምዃኑ ህላወ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘገድሰና ህዝባዊ ሓይልታት፡ ነዚ ኣገዛዝኣ ብምውጋድ ህላወ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ናይ ምኽባርን ሓዱሽ ምዕራፍ ናይ ምኽፋትን ታሪኻዊ ሓላፍነት ወዲቑና ኣሎ። ታሪኻዊ ተልእኾን ቀዳማይ ሸቶን ህዝባዊ ሓይልታት፡ እቲ ዝተኣወጀልና ዝኸፍአ ጦርነት ብሓባር ብምክልኻል፣ ህላወ ህዝብታትናን ድሕነት ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ናይ ውልቀ-ሰብ ምልካዊ ስርዓት ብልጽግና ብምእላይ፤ ብመሰጋገሪ ቻርተር ዝምራሕ ኣካታቲ መሰጋገሪ መንግስቲ (Transitional Government) ክምስረት ብምግባር፤ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከይተሸራረፈ ክረጋገጸሉ ዝኽእል ሓዱሽ ናይ ስግግር ምዕራፍ ክኽፈት ምግባር እዩ።
ካብ ውድቀት እቲ ኣገዛዝኣ ብድሕሪኡ ዝኽፈት ናይ ስግግር ምዕራፍ ቀንዲ ዕላማ ድማ፦
1. ህላወ ህዝብታትን ድሕነት ሃገርን ምድሓን፣ ኩሎም ኲናታት ደው ምባል፣ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ምርግጋጽ፣ ሰላምን ጸጥታን ምሕላው፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ምርጋእ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ርክብ ምምሕያሽን ቀጠናውን ዓለም ለኻውን ቁመና እታ ሃገር ምትዕርራይን፤
2. ንሰላም እታ ሃገርን ንቐጻሊ ህላወ ህዝብታትን ክበሃል ሓቀኛ፣ እሙን፣ ንኹሉ ዘካተተን ዘሳተፈን ህዝባውን ቅዋማውን ዘተ (Constitutional Dialogue) ብምክያድ፤ ወሰንቲ ህዝባውን ሃገራውን ሕቶታት ብቐጥታዊ ተሳትፎ ህዝብታት ምምላስ ይኸውን።
ብምዃኑ ናይ ብልጽግና ውልቀ-ሰብ ምልካውን ጃምላዊ ህልቂት ዝፍጽምን ኣገዛዝኣ ንምውጋድ፣ ህላወን ድሕነትን ህዝብታትና ንምርግጋጽ፣ ኣካታቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ንምግባር፤ ህዝባዊ ውድባዊ ዓቕምታትና ኣተሓባቢርና ሓዱሽ ዴሞክራስያዊ ናይ ስግግር ምዕራፍ ንምኽፋት፤ ከምኡ'ውን ኣብ ሞንጎና ዘለዉ ፍልልያት ብናጻ ድሌት ህዝብታትና፣ ኣብ መትከልን ሕጋዊ ስርዓትን ተሞርኲሱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብምስምማዕ፤ ኣብ ታሕቲ ስምና ዝተዘርዘረ ህዝባዊ ሓይልታት ማለት'ውን፦
1. ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)
2. ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦነግ-ኦነሰ)
3. ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
4. ግንባር ናጽነት ህዝቢ ኦጋዴን (ኦብነግ)
5. ኣብዮታዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)
6. ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝብታት ቤኒሻንጉል (ቤህነን)
7. ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ (ጉህዴን)
ጥምረት ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህላወ (ብኣሕጽሮቱ ክጥቀስ ከሎ፡ " ) ዝተባህለ ሓባራዊ ጥምረት መስሪትና ኣለና።
ካብ ብዙሕ ጻዕርን ውረድ-ደይብን ብድሕሪኡ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሃንቀውታ ክጽበዮ ንዝጸንሐ ነዚ ዓብዪን ወሳኒን ጥምረት ብምብቃዕና ዝተሰመዓና ሓጎስ ልዑል ምዃኑ እናገለጽና፤ ነዞም ዝስዕቡ ጻውዒታት በዚ ኣጋጣሚ ከነመሓላልፍ ንፈቱ፦
1. ንኹሎም ኢትዮጵያውያን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን፦ እቲ ኣገዛዝኣ ህላወ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ቆሪጹ ዝተላዕለ ሓይሊ ምዃኑ ብምርዳእ፤ ዕላማ እዚ ጥምረትን መንገዲ ቃልስን እትቕበሉ ኢትዮጵያውያን ህዝባዊ ሓይልታት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን፤ ኣካልን መሻርኽትን ናይዚ ናይ ህላወ ቃልስና ክትኮኑ ጻውዒትና ብኣኽብሮት ነቕርብ።
2. ንዕጡቓት ሓይልታትን ኣመራርሓን እቲ ኣገዛዝኣ፦ እተገልግልዎ ዘለኹም ኣገዛዝኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ናይ ህላወ ሓደጋ ዘንጸላለወ፣ ጸረ-ህዝቢ፣ ጸረ-ሰላም፣ ጸረ-ዴሞክራሲን ጃምላዊ ህልቂት ዝፍጽምን ምዃኑ ተረዲእኩም፤ ግዜ ከይረፈደ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ንምድሓን ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣካልን መሻርኽትን ክትኮኑ ጻውዒትና ነቕርብ።
3. ንጎረባብቲ ሃገራት፣ ንሃገራት ኣፍሪቃን ንማሕበረሰብ ዓለምን፦ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጃምላዊ ህልቂት ዝፍጽም ኣገዛዝኣ ካብ ህዝቢ ዝተነጸለ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምስፋን ዓቕሚ ይኹን ድሌት ዘይብሉ፣ ብቃልሲ ህዝቢ ካብ ስልጣን ክእለ ዝተቓረበን ዝመሸየሉን ኣገዛዝኣ ምዃኑ ብምርዳእ፤ ካብ ጎኒ ህዝብታት፣ ፍትሕን ዴሞክራሲን ደው ክትብሉ ጻውዒት ነቕርብ።
ጥምረት ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህላወ (ጥምረት ንህላወ)
መስከረም 10/2019 ዓ.ም
ኢትዮጵያ
ሚድያታት ትግራይ ተሌቪዥን ኢና ኤፍኤም መቀለ 104.4 ሰበር ዜና ኣለና ተፀበዩና ይብሉ ኣለው! እንታይ ዓይነት ሰበር ዜና ኣለዎም ኢልኹም ትፅበዩ?
09/20/2026
ጋዜጠኛ ቴድሮስ ፀጋየ (ርኢዮት ሚድያ) ምስ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ (ኢትዮ ፎረም ) ኢና ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያልው እስኪ ብሰለስተ ቃላት ግለፅዎም?
Click here to claim your Sponsored Listing.
Category
Contact the public figure
Address
Alerts
Be the first to know and let us send you an email when IPN World posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.